Up Tigrinya.pdf

ብስራት ሕብረት ወንጌላውያን

“ስለዚ ኪዱ ንዅሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን

እናእጥመቕኩም፡ ዝኣዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ እናመሃርኩም፡

ደቀ-ማዛሙርቲ ግበርዎም” (ማቴ 2819-20)

ብስራት ሕብረት ወንጌላውያን (ብ.ሕ.ወ.) ነቲ ኣብ ፈቐድኡ ብስደት ፋሕ ኢሉ ንዘሎ ኤርትራዊ ዜጋ፡ ወንጌል መድህኔ ኣለም ንምብሳር ተተኺሉ ዝቘመ ሕብረት እዩ። ቤት ጽሕፈት ናይ ብ.ሕ.ወ. ኣብ ኮለምበስ ኦሃዮ፡ ኰይኑ ካብ ኵሉ ፖለቲካዊ ነጸብራቓት ይኹን ጽልዋታት ወይስ ተጽዕኖ ናይ ውልቅን ጉጅለኣዊ ክርስትያናዊ ማሕበራትን ነጻ እዩ። መሰረትን መምርሕን ናይ ብ.ሕ.ወ. እቲ ኹሉ ኺሓልፍ ንዘለኣለም ደኣ ህያው ኰይኑ ዚነብር እንኮ ቃል ኣምላኽ (መጽሓፍ ቅዱስ) እዩ።

 

 

ሓጺር ድሕረ-ባይታ፡

ብ 1982 ዓመተ ምህረት ነቲ ህላውነት ናይ ብስራት ሕብረት ወንጌላውያን ቀንዲ ምኽንያት መነቓቐሊ ዚዀነ፡ እቲ ንነዊሕ ኣብ ልቡ ተዓቚሩ ዝጸንሐ ዉዕዉዕ ራእይ፡ ናፍቖት ዝመልኦ ሕብረት ኣሕዋት፡ ከምኡ'ውን ዓሚቚ መንፈሳዊ ጽምኣት ናይ ዶር ባህራም ፍሰሓጽዮን እዩ። ይኹን እምበር፡ ብ.ሕ.ወ. ተሰሪቱ ኺስጒምን ኣብዚ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃ ንኺበጽሕን፡ እቲ ዝተጀመረ ገልግሎት ከኣ ንኽብሪ ኣምላኽ ከምቲ ዚግባእ ተንቀሳቒሱን ተፈንዩን፡ ንገለ ንበረኸት ንገለ ንድሕነት፡ ንገለ ኻልእ ከኣ ክልቲኡ ምእንቲ ኪኸውን፡ ዘይሕለል ጸዓት ናይ ጸሎትን፡ ርእሰ-ተወፋይነትን፡ ልባዊ ምትሕብባር ናይ ካልኦትን ሓያሎ ኣሕዋት ተሳታፍነት ዓቢ ግደ ተጻዊቱ እዩ።

 

ኣብቲ ብ 1983 ዓመተ ምሕረት ኣብ ኰለምበስ ኦሃዮ ዝተገብረ ናይ ፈለማ ኣኼባ ናይ ብስራት ሕብረት ወንጌላውያን፡ ካብ ሓምሳ ዘይበዝሑ ሰባት ዝተኻፈለሉ ከም ዝነበረ ይዝከር። ሎሚ፡ ብስራት ሕብረት ወንጌላውያንን ኣገልግሎቱን፡ ንኽብሪ ኣምላኽ፡ ከምኡ ድማ ንበረኸትን ድሕነትን ብዙሓት፡ ኣብ ኩሉ ዂርናዓት ናይ ዓለም ብዝርከብ፡ ብኣሽሓት ዚቚጸር ዜጋን ካልኦትን ኣብ ዝፍለጠሉ ደረጃ በጺሑ ኣሎ። ምስናይ እዚ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ዓመታት፡ ናይ ካልእ ሃገራት ዜጋታት ነቲ ኣገልግሎት ብ.ሕ.ወ. ኣርሒቑ ንክኸይድ ተሓባቢሮም፡ ገና ድማ ይተሓባበሩ ኣለዉ።

 

ዕላማ ... ብስራት ሕብረት ወንጌላውያን እምበኣር፡

bullet

·        ነቲ ብጐይታናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ ዝተዋህበ ሕድሪ ተልእኾ ወንጌል ነቲ ኣብ ፈቐድኡ ብስደት ፋሕ ኢሉ ዝርከብ ኤርትራዊ ዜጋ፡ ወይ ትርግኛ ንዝርዳእ ምብሳር (ማቴ 28፡19-20)፡

bullet

·         ነቶም ነቲ ብስራት ወንጌል ዝተቐበሉ ኵሎም፡ በቲ ኣብ የሱስ ክርስቶስ ዘሎ ጸጋ ኺዓብዩን ክሰስኑን ምዂስኳስ፡

bullet

·         ሕብረት ኣመንቲ ብኣምልኾ ምጥርናፍ፡

bullet

·         ኣመንቲ ኣብቲ እተዋህበ ሕድሪ ወንጌል ተሳተፍቲ ክዀኑ ምዕጣቕን ምዂስኳስን እዩ።

 

ኣገልግሎት

ዝተሓንጸጸ ዕላማ ንምትግባር፡ ብስራት ሕብረት ወንጌላውያን፡ ዓመታውን ኵነታውን ኣኼባታትን ብምክያድ፡ ከምኡ’ውን ከም ኢንተርነት ዝኣመሰለ ዝተፈላለየ መገድታት ብምጥቓም ኣገልግሎቶም ኼሳልጡ ይጽዕቱ። ኣብ ልዕሊ እዚ፡ ዝተፈላለዩ መጽሓፍትን ጽሑፋትን፡ ከምኡ’ውን ሲዲታትን ቪድዮታትን ዲቪዲታትን ይዝርግሑ፡ ኣብ ዝተፈለለየ እዋን፡ ኵነታት ከም ዘፍቀደ ድማ ምዱብ ዑደት የካይዱ። እቲ ብ Campus Crusade ምሉእ ብምሉእ ኣብ ወንጌል ሉቃስ ተሞርኲሱ ዝተዳለወ፡ ንመጀመርታ እዋን ድማ ብብስራት ሕብረት ወንጌላውያን ናብ ትርግርኛ ዝተተርጐመ፡ ግሩም ዝዀነ ናይ የሱስ ፊልም፡ ይዝርግሑ።

 

ኣኼባታትን ዑደታትን

ኣኼባ ኪብሃል ከሎ ዓመታዊ ጉባኤን ካልእ ኣኼባታትን ዘጠቓለለ እዩ።

bullet

·       ዓመታዊ ኣኼባ ኪብሃል ከሎ፡ ናይ ብስራት ሕብረት ወንጌላውያን ምዱብ ዓመታዊ ጉባኤ እዩ። እዚ ጉባኤ እዚ፡ ንምሉእ ስድራ ቤት፡ ዓበይትን ንኣሽቱን ዝሳተፉዎ፡ ናይ ሓደ ሰሙን ጉባኤ እዩ።

bullet

·        ኣኼባታት ኪብሃል ከሎ ድማ ኣብ ህልዊ ወይ ኣብ ድሮ ዝቘሙ ኣኼባታት ብኣካል ኬድካ ናይ መንፈሳዊ ምንቕቓሕን ምብርታዕን ዝኣመሰሉ ኣገልግሎታት ናይ ምክያድ የመልክት።

bullet

·       ኣብቲ ዝቘመ ኣኼባታት ዘይብሉ ቦታታት ከኣ፡ ኣኼባ ንኺጅመርን እግሪ ኺተክልን ዚገብር ኣገልግሎታት የካይዱ።

       ጽሑፋትን መጻሕፍትን ኪብሃል ከሎ፡

 

bullet

·       መጽሓፍ ቅዱስ፡ ከምኡ’ውን እተፈላለዩ ናይ ትርግርኛ ስነ ጽሑፋትን መጽሓፍትን፡

bullet

·        ርብዓዊ መጽሔት፡ “ብስራት”፡

bullet

·        ናይ ሓባርን ናይ ግልን መጽሓፍ ቅዱስ ንምምሃር ዚድግፉ ዓይነ-ንስሪታት ኣዳሊልዮም ይዝርግሑ።

bullet

·        እተፈላለዩ ካሴት ተይፓትን፡ ቪድዮታትን፡ ዲቪድን፡ ሲድን፡ ከምኡ እውን ናይ ኢንተርነት ኣገልግሎት ይውፍዩ።

 

ምምሕዳር፡

     ብስራት ሕብረት ወንጌላውያን፡ እብቲ ዓመታዊ ጉባኤ በብጊዚኡ ብተሳተፍቲ እተመርጹ ሸውዓተ ኣባላት ዘለዉዎ ሽማግለታት ይመሓደርን ይዋፈረን። እዞም ኣባላት፡ ብዛይካ ሓደ፡ ነፍሲ ወከፎም ብፍታውን ድሌትን ደኣ እምበር ተኸፊሎም ዘገልግሉ ኣይኰኑን።  እቲ ሓደ ከም ኣካያዲ ዀይኑ ስለ እቲ ዘወፍዮ ምሉእ ኣገልግሎት፡ ብስራት ሕብረት ወንጌላውያን፡ ደሞዝ ዘይኰነስ፡ ወርሓዊ ሓገዝ፡ ብዝከኣሎም መጠን ይውፍዩሉ።

 

     ብስራት ሕብረት ወንጌላውያን፡ እቲ ንመመሓደርን መዋፈርን ዚኸውን ብምሉኡ ካብቲ ኣብ ዓመታዊ ጉባኤ ዚግበር ናይ ተሳተፍቲ መብጽዓታትን ዕሽራትን፡ ከምኡ’ውን ስሕት ኢሉ በብእዋኑ ካብ ዝተፈላለዩ ሓገዝትን ምእመናንን ዚመጽእ እዩ። ብስራት ሕብረት ወንጌላውያን ካልእ ምንጪ እቶት የብሎምን።

 

     ንምሃብን ምድጋፍን ውሱን ጊዜን ኵነታትን ኣየድልዮን እዩ እሞ፡ ንኣገልግሎት ወንጌል፡ ዝዀነ ይኹን ደገፍ ክትሰዱ ትኽእሉ ኢኹም። ኣድራሻ፡

Besserat Evangelical Society

         142 King Avenue

      Columbus, Ohio 43201 USA